top of page

ንወለድና ክነኽብር ኣሎና። ብሕይወት እንከለዉን ምስ ሞቱን።





ንወለድና ክነኽብር ኣሎና። ብሕይወት እንከለዉን ምስ ሞቱን።

 

“ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሔር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” (ዘዳግም 5፡ 16፤ ዘጸኣት 20፡ 12)።

 

መእተዊ

ኣብዛ ናይ ኣደይ መበል 9ይ ዓመት ዝኽሪ ዕረፍታ፡ ነዛ መልእኽቲ ክጽሕፋን ከቕርባን ዘገደደኒ ምኽንያት ኣሎኒ። ንሱ ድማ፡ ኣብ ዝሓለፋ 4ተ ኣዋርሕ፡ ክልተ ንወለዲ ዝምልከታ ክስተታት ስለ ዘጋጠማኒዩ። እታ ቐዳመይቲ፡ ምስ ሓደ ዓርከይ ብዛዕባ መርዓኡ ክንጻወት እንኮለና፡ ብዛዕባ ናይ ወለዱ ተሳትፎ ሓተትኩዎ። ወለዱ ክልቲኦም ብሕይወት ዘለዉ ዀይኖም፡ ምቕማጦም ግና ኣብ ዓዲዩ። ኣብ መንጎ ዕላልና ድማ፡ ክመዚ በለኒ፥ ወዲ ዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት ምስኮንካ እኮ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ከተኽብር ግድነት የብልካን። ብፍላይ ከኣ ሕጂ ኣብ ወጻኢ ዀንካ ብዙሕ ትርጉም የብሉን ኢሉኒ። “ኣማኒየ፡ ክርስቲያንየ” እዩ ዝብል። ኣብቲ ዝሳተፈሉ ኣብ ቶሮንቶ እትርከብ ቤተኽርቲያን ጽቡቕ ዝነጥፍ ኣባልዩ። ኣነ ኸኣ፡ ብዙሕ ከይሓሰብኩ፡ ወይ ንምንታይ? ከመይ ደኣ? ወዘተ ከይበልኩ፡ ዋእ፡ እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ደኣ ዝወድቃሉ ዕለት (expiry date) ኣለወንድዩ? እታ ቀዳመይቲ ትእዛዝ “ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ” ትብልከ ወዲ ኽንደይ ዓመት ምስኮንካያ ትወድቕ (expire ትገብር) በልክዎ። አነ ሕጂ ተመሊሰ ክሓስቦ እንከለኹኳ፡ ኣምላኽ ኣዛሪቡኒ ክኸውን ኣለዎ እየ ዝብል። ንሱ ግና ቅድም ብጣዕሚ ስሒቑ። ጽንሕ ኢሉ ግና፡ እተን ትእዛዛት ዝወድቃሉ ዕለት ኣለወን ማለተይ ዘይኮነስ፡ ምስ ዓበኻ፣ ክንዲ ኣቦኻ ምስ ኣኸልካሞ ንኣብነት ናይ ሕይወትካ ወሳኒ ባዕልኻ ምስኮንካስ፡ ወለድኻ ኣይሕወሱንዮም ማለተዩ ክብል መለሰለይ። ሕራይ። እታ ሰጋእ ኢሉ ከም እንደገና ክሓስብ ምኽኣሉ ጽቡቕ እኳ እንተኾነ፡ ነታ ጌጋ ግና ኣይኣረማን። ድሕሪዚ ክንራኸብ ዕድል ኣይረኽብናን ደኣ እምበር፡ ምሉእ ብምሉእ ሓሳቡ ቀዪሩ፡ ንወለድና ኩልሻዕ ከነኽብሮም ከምዘሎና ተርዲኡዎ ይኸውን ኢለ እሓስብ።


እታ ካልአይቲ ክስተት ከኣ፡ ሓንቲ ስድራቤት፡ ወለዶም ኣብ ኣስመራ ተቐቢረም ኔሮም። ድሕሪኡ ንዓዶም ክወስድዎም እሞ ኣብ ዓደም ኣብቲ ኣቦታቶም ተቐቢሮምሉ ዘለዉ መቓብር ወሲዶም ክቐብርዎም ሓሰቡ። እቲ በዚ ክዛረብ ዘሕሰበኒ ምኽንያት፡ ኣብቲ ዝነበረ ዘይብሱልን ሓላፍነት ዝጎደሎ ላዕልን ታሕትን፡ ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ዝተፈላለየ ርኢቶታት ይህቡ ስለዝነበሩዩ። 

ገሊኦም ካልኣይ ቀብሪ ዘመኑ ዝሓለፎ፣ ኣድላዩ ዘይኮነን፣ ንቑጠባውን ሃሳዪ ምዃኑን ይገልጹ ኔሮም። መሬት መሬትዩ፣ ሕጂ ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ድማ፡ እንታይ ዝተረፈ ከይህሉዩ፣ ኣብ ጥቓ መቓብር ኣቦታቶም ምዃን ዘምጽኦ ለውጢ እንታይ እዩ? ይብሉ ኔሮም።

ካልኦት ከኣ፡ ዋላኳ እቲ ናይ ቁጠባ ማህሰይቲ ሓቂ እንተኾነ፡ ብመንጽር ሃይማኖትን ከም ባህልናን ልምድናን ግና፡ ካልኣይ ቀብሪ ኣዝዩ ጠቓምን፡ ትርጉም ዘለዎንዩ። እንተ ተኻኢሉስ፡ ካልኣይ ቀብሪ፡ እንተ ካብ ዓዲ ጓና፡ እንተ ካብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ኣብ ዓደቦኦም ክግዕዙ ኣድላዪ እዩ ይብሉ ኔሮም። ድሕሪኡ ኣብቲ ዝነበረ ክስተትን፡ ኣብቲ ዝነበረ ርኢቶታትን፡ ብዛዕባ ካልኣይ ቀብሪ ብዙሕ ከስተንትን ጀሚረ።


ካብዘን ክልተ ክስተታት ተሞርኲሰ ድማየ ነዛ ኣርእስቲ ናይ ጽሑፈይ ዝመረጽኩ፥ ንወለድና ከምኽብሮም ኣሎና። ብሕይወት እንከለዉን ምስ ሞቱን።

ሕጂ እምበኣርከስ፡ ኣብዘን ክልተ ዘጋጠማኒ ክስተታት፡ ዘስተንተንክዎ ከካፍለኩም። ኣብታ ቐዳመይቲ ክፋል፡ ብዛዕባ እታ እግዚኣብሔር ዝሃበና 4ይቲ ትእዛዝ ክዛረብየ። ኣብታ ካልኣይቲ ክፋል ድማ፡ ብዛዕባ ሃይማኖታውን ባህላውን ኣድላይነት ካልኣይ ቀብሪ ክዛረብየ።

 

*******************************************

  ቀዳማይ ክፋል

“ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር”

 

ንእሽቶ መተሓሳሳቢት፥

ኣብዛ ጽሕፍተይ፡ በታ ኣብ ዘዳግም 5፡6 ዘላ 4ይቲ ትእዛዝ ኢየ ክኸይድ።  ምኽንያቱ፡ አተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ኣብ ኦሪት ዘጸኣትን፡ ኣብ ኦሪት ዘዳግምን፡ ናይ ቅደም-ተኸተል መስርዕ ፍልልይ ስለዘሎዩ። እዛ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” ትብል ትእዛዝ፡ ኣብ ኦሪት ዘጸኣት 5ቲ ትእዛዝ ክትከውን ኣንኮላ፣ ኣብ ኦሪት ዘዳግም ግና፡ 4ቲ ትእዛዝያ። ዋላኳ ብዙሕ ተዮሎጊያዊ ዘከራኽር ፍልልይ ኣይኹን እምበር፡ ብሓደ ወገን፡ ኣብ ኦሪት ዘዳግም፡ እታ ትእዛዝ ብዝርዝር ተገሊጻ ስለ ዘላ፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ትምህርተ-ክርስቶስ ናይ ካቶሊኽ ቤተ ክርስቲያን ነዛ ናይ ኦሪት ዘዳግም መስርዕ ዓሰርተ ትእዛዛት ስለ ዝጥቐምየ።  

 

ካብ ቀደም ኣትሒዘ፡ እዛ ትአዛዝ እዚኣ ብዙሕያ ትገርመኒ። እግዚኣብሔር ንሙሴ ኣብ ደብረሲና ክረኽቦ እንከሎ፡ ኣነ ሓፈሻዊ ዝኾነ ማሕበራውን ሃይማኖታውን ሓሳባት ክህበካየ። ሽዑ ንስኻ ኣብ ሕዝቢ አስራኤል ምስ ተመለስካ፡ ምስኦም ተዛቲኻ፡ እተን ዝጠቕማኹም ዝበልካየን ጥራይ ጽሙቕ ኣቢልካ ጽሓፈን ኣይበሎን። ቅ. መጽሓፍ ክነግረና እንከሎ፡ ነተን ዓሰርተ ትአዛዛት እግዚኣብሄር “ባጻዕብቱ” ከምዝጸሓፈንዩ።


“ኣብ ከረን ሲና ምስ ሙሴ ተዛሪቡ ምስ ወድኤ፡ ክልተ ጽላት ምስክር፡ በጻብዕ እግዚኣብሔር እተጻሕፈ ጽላት እምኒ ሀቦ” (ዘጸ. 31፡ 18)


ዓሰርተ ትእዛዛት፡ ንማሕበራውን ሃይማኖታውን መነባብሮ ደቂ ሰባት ኣድለይቲ ጥራይ ዘይኮናስ፡ ኣብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ግደ ክህልወናን፡ ገጽ እግዚኣብሔር እንዳ ረኣና ተሓጒስና ክንነብርውን ወሰንቲ ስለዝኾናዩ እግዛብሔር ባዕሉ ዝጸሓፈን። እቲ ዝገርም ድማ፡ እግዚኣብሔር ንአስራኤላውይን፡ ንማሕበራዊ መነባብሮኦም ዝጠቅም ትእዛዝ ክህቦም እንኮሎ፡ “ኣይትስረቕ” ወይ ድማ “ኣይትዘሙ” ኢሉ ኣይጀመረን። ብመለኮታውን ሃይማኖታውን ግድነታት ጀሚሩ፡ ርክብ እግዚኣብሔርን ሰብን መልኮታዊ ምዃኑዩ ገሊጹሎም። ስለዚ እተን ቀንዲ ብቐጥታ ንአግዚኣብሔር ዝምልከታ 3ተ ትእዛዛት ምስሃቦም፡ ኣብታ 4ቲ ትእዛዝ፡ ካብተን ዝስዕባ 6ተ ትእዛዛት፡ እታ ቀንዲ ዝለዓለ ሰብኣውን፣ ማሕበረሰብኣዊ ሓይልን፡ ናይ ሞራል ግድነትን ዘለዋ ትእዛዝ ሃቦም፣ ዳርጋ መለኮታዊት ክትበሃል ትከኣል፥


“ኣብ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡  ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” (ዘዳግም 5፡ 16)።


ኣዛ ትእዛዝ እዚኣ፡ ካብታ “ብጀካይ ካልእ ኣምላኽ የልቦን” ትብል ቀዳመይቲ ትእዛዝ፡ ብቑሩብያ ትፍለ ኣምበር፡ መለኮታዊ ሓይላን፡ ሰብኣውን ማሕበራዊ ግድነታን ግና ሓደዩ ክበሃል ይከኣል (ኣብ ታሕቲ ዘላ ስእሊ ተመልከት)። ብሓደ ወገና፡ ምርቓን በረኸትን፤ ብሓደ ወገና ድማ መርገምን መቕጻዕትን ዝሓዘትያ። ንወለድኻ ከምቲ እግዚኣብሔር ዝፈቕዶ ጌርካ እንተኽበርካዮም፡ “ዕድሜኻ ይነውሕ”፤ መነባብሮኻ ድማ “ጽቡቕ” ይኸውን። ዕድመ ጸጋዩ። ጽቡቕ ክኸውን እንከሎ ድማ ዝበለጸዩ። ሳዕቤን ናይዛ ትእዛዝ ዘይምኽባር ድማ፡ ዕድሜኻ ሓጺር ይኸውን፣ መነባብሮኻ ድማ ክፉእ ይኸውን። ሓጺር ዕድመ ኾይኑ፡ ጽቡቕ መነባብሮ ክህልወካ ይከኣልዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ክኸውን ስለ ዝኽአል። እቲ ቀንዲ ቁምነገር ግና፡ ወለድኻ እንተ ኣኽበርካ፡ እሶም ታሓጒሶም ይነብሩን፣ ይምርቑኻን። እግዚኣብሔር ድማ ባህ ኢሉዎ፡ ምስኡ ንዘልዓለም ተሓጒስካ ክትነብር ጸጋኡ ይብዝሓልካ።


እዛ ትእዛዝ እዚኣ፡ ኣብ ልዕሊ ወለዶታትን፣ ሽማግለታትን፣ ኣቦታትን፡ ክብርን ፍቕርን ምስጋናን ክህልወና ትሓተና። ወለዲ ብደቆም እንተጒህዮም፡ እግዚኣብሔር ኣይሕጎስን። ምኽንያቱ ነቶም ኣብዚ ምድራዊ ሕይወትና፡ ኣብ ክንዲ እግዚኣብሔርን ኣብ ትሕቴኡን ኰይኖም፡ ካብ መጀመርያ ህይወት ዝሃቡናን ዘዕበዩናን፣ ካብኡ ንላዕሊ ድማ፡ ነቶም መጀመርያ ምስ እግዚኣብሔር ዘፋለጡና ወለዲ ምኽባር ማለት፡  ብመልክዒ ናይቲ ንእግዚኣብሔር እንህቦ ክብርን፡ ፍቕርን፣ ምስጋናን እዩ ዝዕቀን።                 

                                       

 እዚ ማለት፡ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ክንደይ ከም እነኽብሮን፡ አነፍቅሮን፡ እነመስግኖን ብልክዕ ክንፈልጥ እንተደሊና፡ ንወለድና ክንደይ ከም እነኽብሮምን፡ እነፍቅሮምን፡ እነመስግኖምን፡ ብልክዕ ክንፈልጥ ኣሎና። እዚ መዔቀኒዚ፡ ጨናፍርውን ኣለዎ። ንሱ ኸኣ፡ ልክዕ ከምቲ ጨናፍር ናይ እግዚኣብሔር ምኽባርን ምፍቃርን፡ ንኹሉ ስድራቤቱ ምኽባርን ምፍቃርን ዝኾነ፣ ከምኡ ድማ፡ እቲ መዔቀኒ ናይ ኣብ ወለድና ዘሎና ኣኽብሮትን ፍቕርን፡ ጨናፍር ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ብቐዳምነት ነቶም ካብ ወልድና ዝውለዱ እሕዋትናን ኣሓትናን ከንኽብርን ከነፍቅርን፣ ምስ እዚ ዝተሓሓዝ ድማ፡ ንኹሎም ስድራቤትናን ቤተሰብናን፡ ከነኽብርን ከነፍቅርን ይግብኣና ማለትዩ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ፡ ንጎሮባብትናን፣ ደቂ ዓድናናን። እዚ ድማ ኣብ ፍቕሪ ሃገርን ሕዝብን የብጽሓና። ነሕዋትናን፡ ንሕዝብናን ዘይነኽብርን ዘይነፍቅርን አንተዀና፡ ንሃገርና ከንፍቅንር ኣይንኸእልን ኢና። ካብዚ ዝለዓለ ድማ፡ ንጸላአትና ከፍቅርን ክንጽልየሎምን ክርስቲያናዊ ግድነትና ይኸውን። ምኽንያቱ፡ እታ ካላይቲ ዝዓበየት ትአዛዝ፡ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቕር ስለ ዝኾነትዩ፥


 “ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ። እታ ቐዳመይቲ ትእዛዝ እዚኣ እያ።   

እታ ካልኤይታ እትመስላ ድማ ፥ ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ፡ እያ። ካብ እዚኣተን እትዓቢ ካልእ ትእዛዝ የልቦን” (ማር. 12፡ 30-31)።


ንኹለን ትአዛዛት፡ ኣብ ኣፍናን ኣብ ልብናን ክንሕዘንን ክንዘክረንን እግዚኣብሔር ይአዝዘናዩ። ኣብዛ 4ቲ ትእዛዝ ብግልጺ ከምዝነግረና ድማ፡ ብሕይወት ምአንቲ ክንነብር፣ ማለት ኣብዚ ሕይወትዚ ዕድሜና ክነውሕን መነባብሮና ክጽብቕን፣ ኣብ ዝመጽእ ዘለዓለማዊ ህይወት ድማ፡ ናይ ሓቂ ሞት ከይንመውት - ኣብ ገሃነም እሳት ካብ እግዚኣብሔር ተፈሊና ንኸይንነብርንዩ፥


“እቲ ቓል፡ ምእንቲ ኽትገብሮስ፡ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረባኻ እዩ። ርኤ፡ ሎሚ ህይወትን፡ ሞትን: ጽቡቕን ክፉእ ኣብ ቅድሜኻ ኣንቢረልካ ኣሎኹ። ብህይወት ምእንቲ ኽትነብርን ክትበዝሕን፡ ኣብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ሃገር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኺባርኸካ ድማ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸተፍቅሮ፡ ብመገዱ ኸኣ ክትከይድ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ፍርድታቱን ድማ ክትሕሉ፡ ኣነ ሎሚ እእዝዘካ ኣሎኹ” (ዘዳ. 30፡14)

 

ነዛ ትእዛዝ እዚኣ፡ ልክዕ ከምታ ባዕሉ ዝጸሓፋ ጌሩ ዝተቐበላን ኣብ ግብሪ ድማ ብዘይ ጉድለት ዘኽበራ፡ጎይታናን መድሓኒናን አየሱስ ክርስቶስዩ። ኣብ ወ. ሉቃስ ከም እነብቦ፡ ኣብ እየሩሳሌም ንሰለስተ መዓልቲ ጥፊኡዎም ጸኒሑ፡ ምስ ረኸብዎ፡


“ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞምውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብቝመትን ብጸጋን ዓበየ” (ሉቃስ 2፡ 51-52)።


“ቃል ስጋ ለቢሱ ከማና ሰብ ኮይኑ ምሳና ክነብር” (ዮሃ. 1፡ 14) እንከሎ፡ እታ ዝዓበየት ሓላፍነቱ፡ ንእግዚኣብሔር ኣቦኡ፡ ካስብ ሞት ኣብ መስቀል ክእዘዞን ከኽብሮንዩ (“ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ” ፍሊጲ 2፡18))፤ ብልክዕ ድማ፡ ነዲኡ ማርያምን (ነቡኡ ቅ. ዮሴፍን) ካስብ መወዳእታ ኣብ መስቀል ክመውት እንከሎዩ ኣኽቢሩዎም። ክሳብ ሕጂውን ኣብ ሰማይ የኽብሮም ኣሎ። ምኽንያቱ እቲ ነታ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር ኢሉ ዝጸሓፈ ቃል፡ ክሕሱ ኣይክአልንዩ።

ስለዚ ንወለድና፡ ብሕይወቶም እንከለዉን፡ ምስ ሞቱን፡ ብዘይ ምቁራጽ ከነኽብሮም ይግበኣና። ምኽንያቱ፡ ምስ ሞቱውን እንተኾነ፡ እቲ ከዕብዩና እንከለዉ ዝመሃሩናን ዝመኸሩናን ኩሉ ነባሪ ስለ ዝኾነ፡ ክሳዕ ብህይወት ዘሎና ኩልግዜ ክንዝክሮን ከነተግርብሮን፡ ንደቅናውን ከንሕልፎ ይግባእ። ካብ ኩሉ ንላዕሊ ድማ፡ ንዝሞቱ ወለድና፡ ኣብ ዝዘከርናዮም ዘበለ ግዜ ኹሉ፡ ብጹቡቕ ጥራይ ክነልዕሎም ይግብኣና። ምኽንያቱ፡ ሕጂ ነፍሶም ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሔር ትመላለስ ስለዘላ፡ ብዛዕባኦም ሕማቕ ክንዛረብ እንኮለና፡ ከሰስቶም ኢና እንኸውን ዘሎና፣ ስራሕ ሰይጣን እቲ ከሳሲና ድማ ንገብር ኣሎና ማለትዩ። ስለዚ ዋላኳ እግዚኣብሔር ብሓልዮቱ፡ ካብ ሓጥያትና ክንምልሰን፣ ክንእዘዞን፣ ከነኽብሮን ኢሉ ነዊሕ ዕድመ ኣንተሃበና፡ ሰላም ዘይብሉን፡ ብኹሉ መልክዑ ድማ ጽቡቕ ዘይኮነ ናይ ጭንቅን ሓዘንን ሕይወትዩ ዝኸውን።


ኣብዚ ግዜዚ፡ ኣብ ምዕራባዊ ክፍለ ዓለምን፡ ኣብ ገሊኦም ንማሕበራውን ሃይማኖታውን ስልጣነ ዝቐድሑ ሃገራት ይኹና ወይ ውልቀሰባት፡ ዘጋጥም ዘሎ ሽግር ብጣዕሚ ከቢድዩ። መንቀሊኡ ኸኣ ወለዲ ካብ ክርስቲያናዊ ኣተዓባብያ ሓላፍነቶምን ግድነታቶምን ስለ ዝረሓቑን ፍርሓት እግዚኣብሔርውን ስለ ዘይብሉንዩ። ኣብዚ ዘለናዮ ዘመንን ክፍለ-ዓለምን፡  ዓበይትን ወለድን ዝኸብሩሉ ኣይኮነን። ወለዲ ካብ ደቆም ዝግብኦም ክብሪ ይረኽቡ ዘይምህላዎም ቀንዲዩ። ኮሪኻለይዶ ዋላ ዓው ኢልካ ተዛሪብካኒ ተባሂሎም ብደቆም ተኸሲሶም፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ክመላለሱን ክእሰሩን ንርእዮም ዘሎና ወለዲ ብዙሓትዮም። ስለዚ እቲ ዝዓበየን ቀንዲ ሓልፍነት ናይ ወለዲ፡ ንድቆም ብፈሪሃ- አግዚኣብሔር ከዕብዩን፣ ንኣምላኽን ንወለደሞን ክእዘዙን ከኽብሩን፣ ናይ ስድራ ቤቶምን ናይ ማህበረሰቦም ሓላፍነት ንምቕባል ክበቕዑን ምግባርዩ። ኣብ  መወዳአታ ድማ መንግስተ ሰመያት  ክወርሱ ምግባርዩ።

 

ጎ. እየሱስ ክርስቶስ፡ ንትእዛዛቱ እንተዘይሓሎናን፡ ነቲ ከም መጠን ተኸተልቱውን ክንገብሮ ዝግብኣና ሓላፍነትና  እንተዘይገብርና፡ ከምዝቕጽዓና ነጊሩናዩ። ብርግጽ ኣምላኽ ፍቕሪዩ፣ ምሕረትውንዩ። ክንርስዖ ዘይብልና ነገር ግና፡ ኣምላኽ ፍትሒውን ምዃኑዩ። ብዛዕባዚ፡ እታ ሓንቲ ካብተን ከንብባ እንከለኹ ዝንቅጥቀጠላ ጥቕሲ ቅ. መጽሓፍ፡ እታ ኣብ ወ. ሉቃስ 12፡ 47-48፡ ጎ. እየሱ ክርስቶስ ዝሃበና መጠንቀቕታያ፥

 

“እቲ ፍቓድ ጐይታኡ ፈሊጡ ዘይተዳለወ፡ ከምታ ፍቓዱውን ዘይገበረ ባርያ፡ ብዙሕ መግረፍቲ ዚግብኦ እዩ። 

እቲ ኸይፈለጠ፡ ንመግረፍቲ ዚግብኦ ዝገበረ ግና፡ ሒደት እዩ ዚግረፍ። ብዙሕ ንዝሃብዎ ብዙሕ ይደልይዎ፡ ብዙሕ ንዘማዕቈብዎ ኸኣ ኣብዚሖም ይደልይዎ እዮም”።

 

ደጋጊምካ እንተ ኣምበብካያ፡ ብጣዕሚያ እተፍርሕ። ፈሊጥካ ሓጥያት እንተገብርካ ይኹን ከይፈለጥካ፡ ካብቲ ዝግብኣካ መቕጻዕቲ ኣይትወጽእን። እቲ ከይፈለጠ ብድንቁርናኡ ፍቓድ እግዚኣብሔር ዘይገበረ፡ ብድንቁርናኡን ብዝገበሮ ሓጥያትን መጠን ክግረፍዩ። ዋላኳ ካብቲ እንዳ ፈለጠ ሓጥያት ዝገብር ዝወሓደ መግረፍቲ ይኹን እምበር። ኣብዛ ጥቕሲ አዚኣ ቁርብ ጥልቕ ኢልና እንተ ኣስተንተንና፡ ክንምልሰን ዝይንኽእል ኣገደስቲ ሕቶታት ኣለዋ። በዚ ምኽንያትዚየ ኸኣ፡ ነዛ ጥቕሲዚኣ ከንብብ እንከለኹ፡ ብጣዕሚየ ዘንቀጥቅጥ ዝበልኩ። ንኣብነት፡ “ብዙሕ መግረፍቲ” ዝበሃል ክንደይ እዩ? “ሒደት መግረፈቲ” ዝበሀልከ ክንደይ እዩ? እቲ ዝገርፍከ መንዩ? ብምንታዩኸ ዝገርፍ? እዚ ምናልባት ኣብ ካልእ ጽሑፈይ ኣግፊሐ ክዛረበሉየ። ንሕጂ ግና፡ ከም ወለድን ውሉድን፡ ከነስተንትነሉን ክንጽልየሉን ይኣክል ይኸውን ኢለ እሓስብ።  

 

****************************************************************************************

 

 

ካልኣይቲ ክፋል

 

 

ሃይማኖታውን ባህላውን ኣድላይነት ካልኣይ ቀብሪ

 

እዛ ካልኣይቲ ክፋል፡ ምስታ “ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር” እትብል 4ቲ ትእዛዝ ዝተተሓሓዘትያ። ምኽንያቱ ንወለድና፡ ብሕይወቶም እንከለዉ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ክሞቱ እንከለዉን፣ ምስ ሞቱን፣ ድሕሪ-ሞቶምንውን፡ ዝግብኦም ክብሪ ከንጕድለሎም የብልናን። ንኣብነት ወለድና ምስ ሞቱ (ወይ ዝኾነ ሰብ ምስ ሞተ)፡ እነዘውትሮ ናይ ሓዘንን ናይ ቀብሪ ስነ-ስርዓትን ንሕሰብ። ኣዝዩ ክቡር ዝኾነ ልምድን ሃይማኖታዊ ግድነትን ዘማለአዩ። ካብቲ ክግበር ዘሎዎ ክብርን ስነ-ስርዓትን ሓንቲኳ ምእንቲ ከይትጎድል፣ ክረኽብዎ ዘለዎም ናይ ምሕረትን ፍትሓትን ጸሎታት፣ ብኽብሪ ተዓጂቦም፣ ብካህናትን ሼኻትን ተመሪሖም ኣብ ቦታ መቓብር ክውሰዱን፡ ብጥንቃቐን ብኽብርን ክቕበሩን ይግበር። ድሕሪኡ ድማ፡ ምስ መወቲ ወለድናን፣ ኣሕዋትናን፣ ኣዝማድናን ፈተውትናን ኩሎም እንፈልጦምን፡ ዝነበረና ፍቕርን ርክብን ስለዘየቋርጽ፡ በብእዋኑ ዝኽሪ እንዳገበርና፡ ፍቕርናን ዕርክነትናን ከምዝቕጽል ንገብር። ኣብ ዝኾነ ናይ ሕይወትና ኣጋጣሚውን ክንዝክሮምን ክንናፍቖምን ንነብር። ብፍላይ ድማ ንወለድና፡ ምስ እዛ 4ቲ ትእዛዝ ስለ እትተሓሓዝ፡ ምስ ሞቱውን ዝግብኦም ክብሪ ከነጕድለሎም የብልናን።


ካልኣይ ቀብሪ፡ እቲ ኣዝዮ ክቡርን ጥንቃቐን ዘድልዮ ዕዮን ሓላፍነትን እዩ። ኣዕጽምቲ ናይ ወለድኻ/ኣሕዋትካ ወይ ቤተስብካ፡ ካብ ዝተቐብርዎ ጒድጓድ ኣውጺአካ፡ ኣብ ካልእ ዓድን መቓብር ምግዓዝ፡ ካብ ባህላዊ ንላዕሊ እቲ ሃይማኖታዊ ትርጉምን ክብደቱን ኣዝዮ ይበዝሕዩ። ንምንታይዩኸ ኣድላዪ ዝኸውን?

 

1.      ብድሌት ቤተ ክርስቲያን፥ ቤተኽርስቲያን ናይ ሓደ ክርስቲያን መቓብር ኵዒታ ሬሳ ክተውጽእ እንከላ፡ እቲ ቐንዲ ምኽንያት፡ እቲ መዋቲ፡ ኣብዛ ዓለም እንከሎ ዝነበሮ ሕይወት፡ ብቕድስናን ብእምነቱን ዝተመስከረሉ እንተኾነ፡ ብሕቶ ምእመናንን፡ ብፍቓድ ጳጳስን፡ ኩሉ ሕይወቱ ብዓይኒ አምነትን ትምህርቲ ቤተኽርስቲያንን፣ ዝነበሮ ፍቅሪ ኣምላኽን ሰብን፣ ብቓልን ብግብርን ዝነብሮ ኣብነታዊ ክርስቲያናዊ ሕይወት ምእንቲ ክምርመር ይግበር።   እዚ ነቲ ዝስዕብ መስርሕ ናይ ምእዋጅ ብጽዕናን ቅድስናን ብቕዓቱ ምእንቲ ክረጋገጽ ማለትዩ። ኣብዚ መስርሕዚ፡ ኩሎም ምእመናን፡ ብጸሎትን፣ ብጾምን፣ ብምህለላን፣ ብኣማልድነት ናይቲ ብቕድስና ዝሞተ ክርስቲያን፡ ካብ አግዚኣብሔር ጸጋ ንምርካብዩ (ተኣምር)። በዚ ምኽንያትዚዩ ድማ፡ እዕጽምቱ ካብቲ ዝነበሮ መቓብር ተላዕሊ፡ ንጸሎትን ኣማልድነትን ምአንቲ ክጥዕም፡ ኣብ ፍሉይ ቦታ ዝቕመጥ።

 

2.     ብትእዛዝ መንግስቲ፥ ነዕጽምቲ ናይ ሓደ ዜጋ ካብ መቓብር ኵዒትካ እተውጽኣሉ ካልኣይ ምኽንያት፡ ብትእዛዝ መንግስቲዩ። እዚ ኣብ ልዕሊቲ መዋቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሕይወቱ ኣድላዪ ዝኾነ መጽናዕቲ ንምግባር ይኸውን (ንኣብነት ናይ ገበን ወይ ዝሞተሉ ምኽንያት ወይ ዓይነት ሕማም ንምፍላጥ)። ካልእ ምኽንያት ከኣ፡ ብሕጽረት ቦታ መቓብር፡ ቤተሰብ ንዕጽምቲ ስድራቤቶም፡ ካብ ዝተቐብሩሉ መቓብር ኣውጺኦም፡ ናብ ዝተወልድሉ ዓዶም ክወስድዎም ስለ ዘሎዎም ይኸውን።

 

3.     ብድሌት ስድራ ቤትን ቤተዘመድን፥ ሬሳ (ኣዕጽምቲ) ካብ መቓብር ምውጻአን፡ ናብ ካልእ ዓድን መቓብር ምግዓዝን፡ ብድሌት ቤተዘመድ ዝብግስ ኮይኑ፡ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ፡ ወይ ካብ ዓዲ ጓና ወይ ድማ ካብ ማእከል ዓዱ፣ ኣብቲ ዝተወልደሉ ዓዲ ምስቶም ቅድሜኡ ዝሓለፉ ቤተሰቡ ንምጽንባርዩ። ኣብዚውን፡ ምስ ቤተኽርስትያንን ምስ ሕግታትን መምርሒታትን መንግስትን ተሳሚሚዕካ፣ ከምኡውን ድሌትን ፍቓድን ናይ ኩሎም ቤተዘመድ ብምርካብ ይኽወን።

 

ኣብዘን ዝጠቕስኩወን ምኽንያታት፡ እቲ ዝለዓለ ክብርን ክንክንን ክዝውተር ይግባአ። ምኽንያቱ ድማ፡ ብመጀመርያ ደረጃ፡ እቲ ካብ መቓብር ተዃዒቱ ዝወጽእ ሬሳ፡ ኣዕጽምቲ ናይ ሓደ ብመልክዕን ብምስልን እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ስለ ዝኾነን፣ ነፍሱውን ብሕይወት ኣብ ቅድሚ አግዚኣብሔር ትመላለስ ስለ ዘላዩ። ብኻልኣይ ደረጃ ድማ፡ ንሬሳ ካብ መቓብር ኵዒትካ ምውጻአን፡ ኣብ ካልአ ዓድን መቓብር ከተግዕዝ እንኮለኻ፡ ነቲ ሬሳ ክም ብሓድሽ ሕይወት ትህቦ ከምዘሎኻን፣ ቀጺልካ ድማ ኣብ ሓድሽ መቓብር ሓመድ-ድበ ከተልብሶ እንኮሎኻ፡ ከም ብሓድሽ ከምዝሞተ ተሓሲቡዩ ዝግበር። በዚ ምኽንያትዩ ድማ፡ ኣብ ካልኣይ ቀብሪ፡ ከም ብሓድሽ ዳስ ሓዘን ተተኺሉ፣ ምንጻፍ ተነጺፉ፡ ኩሎም ቤተሰብን ጎሮባብትን ካልኦት ዝፈልጥዎምን ብሓደ ኾይኖም ከም ብሓድሽ ዝበኽዩን ዘልቅሱን። በዚ ምኽንያትዝዩ፡ ብጀካቲ ናይ ቤተ ክርትስቲያንን ናይ መንግስትን ሕግታትን መምርሒታትን ምኽባር፡ ንድሌት ናይ ኩሎም ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ቤተዘመድ ድሌትን ፍቓድን ክትረክብ ዘሎካ። ከምኡውን ንኹሎም እቶም ዝፈልጥዎም ጎሮባብትን ደቂ ዓድንውን ክፈልጡን ክሳተፉን ምእንቲ ዕድመ ናይ ኣቃብሩና ምግባር ዘድሊ።


ሃይማኖታዊ መሰረት ናይዚ ናይ ኣዕጽምቲ ስድራኻ ካብ ዓዲ ጓና ወይ ካብ ማእከል ዓዲ ኣውጺአካ ናብ ዓዱን ኣብ መቓብር ቤተሰቡን ዳግማይ ምቕባር ካበይ ዝመጸዩ? ኣብ ቅ. መጽሓፍ ከም እንረኽቦ፡ ኣቦና ያዕቆብ ወዲ ኢሳቕ ወዲ ኣብራሃምዩ እቲ ንመጀምነርያ ግዜ ንሬሳኡ ካብ ግብጺ ወሲዶም ናብ ከናኣን ኣብ ጥቓ ኣቦታቱ ክቐብርዎ ዝሓተተን፡ ደቁውን ኣብ ግብሪ ዘውዓሉዎን፥

 

“[ያዕቆብ] ከምዚ ኢሉ ድማ ኣዘዞም፤ ኣነ ናብ ህዝበይ ክእከብ እየ። ኣብታ ኣብ ግራት ዔፍሮን ሔታዊ ዘላ በዓቲ ኸኣ ኣብታ ኣብ ግራት ማክጴላ፡ ኣብ መንጽር መምሬ ኣብ ምድሪ ከናኣን ዘላ፡ ኣብርሃም ንመቓብር ርስቲ ኽትከዉን ካብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ በዓቲ፡ ምስ ኣቦታተይ ቅበሩኒ። ንኣብርሃምን ንሳራ ሰበይቱን ኣብኣ ቐበርዎም፡ ንይስሓቅን ንሰበይቱ ርብቃን ከኣ ኣብኣ ቐበርዎም፡ ኣነ ድማ ንልያ ኣብኣ ቐበርክዋ። እታ ግራትን ኣብኣ ዘላ በዓትን ካብ ደቂ ሔት ተዐደገት። ያእቆብ ንደቁ እዚ ኣዚዙ ምስ ወድኤ፡ ኣእጋሩ ናብ ዓራት ኣከበ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት፡ ናብ ህዝቡውን ተኣከበ” (ዘፍጥረት 49፡ 29-33)።

 

ድሕርዚ ዮሴፍ ናብ ፎርዖን ልኡኻት ሰዲዱ፡ ነቦኡ ኣብ ዓዱን ምስ ኣቦታቱን ክቐብሮ ቃል ኣትየሉየሞ፡ ክወስዶ ፍቐደለይ በሎ። ፎርዖን ከኣ፡ እቲ ነቦኻ ዝኣቶኻሉ ቃል ክትፍጽም ኪድ ኢሉ ኣፍቀደሉ። ሽዑ ዮሴፍ ንሬሳ ኣቦኡ፡ ብኹሉ እቲ ዝግብኦ ክብሪ ክቕበር፡ ሒዙዎ ንከናኣን ከደ፥


“መዓልታት ሓዘን ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ ዮሴፍ ንቤት ፈርዖን ተዛረቦም፡ በሎም ድማ፡ ኣብ ቅድሜኹም ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፡ በጃኹም ንፈርኦን ኣብ እዝኑ ኸምዚ ኢልኩም ንገሩለይ፣ ኣቦይ፡ እንሆ ኣነ እመውት ኣሎኹ። ኣብታ ኣብ ሃገር ከነኣን ንኣይ ኢለ ዝዀዐትክዋ መቓብረይ ኣብኣ ቕበረኒ፡ ኢሉ ኣምሒሉኒ እዩ። ሕጂ ኸኣ ክድይብ እሞ ነቦይ ቀቢረ ኽምለስ ፍቐደለይ። ፈርኦን ድማ፤ ደይብ እሞ ከምቲ ዘምሐለካ፡ ነቦኻ ቅበሮ፡ በለ” (ዘፍ. 50፡ 4-6)።

 

ክብሪ ወላዲኡ ከየጕደለ ድማ ከምታ ድሌቱ ነቦኡ ኣብ ዓዱ ምስ ኣቦታቱ ቀበሮ (ዘፍ. 50፡ 7-13)፥

 

7.    ዮሴፍ ከኣ ነቦኡ ኪቐብሮ ደየበ። ኲላቶም ገላዉ ፈርኦንን ዓበይቲ ቤቱን፡ ኲላቶም ዓበይቲ ሃገር ግብጺ ድማ ምስኡ፡

 

8.   ኲላቶም ስድራ ቤት ዮሴፍን ኣሕዋቱን ስድራ ቤት ኣቦኡን ድማ ደየቡ፡ ቈልዑኦምን ኣባጊዖምን ኣሓኦምን ጥራይ ኣብ ምድሪ ጎሼን ሐደጉ።

 

9.   ሰረገላታትን ፈረሰኛታትን ድማ ምስኡ ደየቡ እሞ ኣዝዩ ብዙሕ ጭፍራ ነበረ።

 

10.   ናብታ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ ዓውዲ ኣጣድ ከኣ መጹ፡ ኣብኣ ድማ ኣዝዩ ብርቱዕ ብኽያት በኸዪሉ። ነቦኡ ሾብዓተ መዓልቲ መልቀስ ገበሩሉ።

 

11.   እቶም ኣብታ ሃገር ዚቕመጡ ከነኣናውያን ድማ ነቲ ኣብ ዓውዲ ኣጣድ ዝዀነ መልቀስ ምስ ረአዩ፡ እዚ ዓብዪ መልቀስ ግብጻውያን እዩ፡ በሉ። ስለዚ ኸኣ ስማ ኣቤል-ሚስራይም ተባህለት። ንሳ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ዘላ እያ።

 

12.   ደቁ ድማ ከምቲ ዝአዘዞም ገበሩሉ።

 

13.   እቶም ደቁ ኸኣ ጾይሮም ኣብ ምድሪ ኸነኣን ወሰድዎ፡ ኣብታ ኣብ መንጽር መምሬ ዘላ፡ ኣብርሃም ርስቲ ንመቓብር ኢሉ ኻብ ዔፍሮን ሔታዊ ምስታ ግራት እተሻየጣ፡ ኣብ በዓቲ ግራት ማክጴላ ቐበርዎ (ዘፍ. 50፡ 7-13)።

 

እዚ መጀመርታ ናይ ሃይማኖታውን ባህላውን ትርጉም ናይ ሬሳ ካብ ዓዲ ጓና ንዓድኻ ምውሳድን፡ ትርጉም ካልኣይ ቀብሪንዩ። ካብዚ ንመሃሮ ድማ፥

  •  ንዝሞቱ ወለድኻ፡ ልክዕ ክምቲ ብሕይወቶም እንከለዉ ትፈትዎምን ተኽብሮምን ዝነበርካ፡ ምስ ሞቱውን ክምኡ ከተኽብሮም ኣሎካ። ከማን ሕጂ ብዛያዳ። ነፍሶም ኣብ ሰማይ ምስ ጎ. እየሱስን ምስ ኩሎም ቅዱሳን መላእኽትን ስለ ዘላ፡ እቲ ዝግብኦም ናይ ቅዱሳን ክብርን መዓርግን ከተጕድለሎም የብልካን።

  • ካልኣይ ቀብሪ ናይ ወለድና፡ ከምቲ ናይ ዮሴፍ ንያቆብ ኣቦኡ ዝገብሮ ከምኡ ክኸውን ኣለዎ። ዝግብኦም ክብርን መዓርግን ከይጕደልካ። ትርጉም ዘይብሉ፣ ዝመሽመሸ ሬሳ ኣይኮንካን እንደገና ትቐብር ዘሎኻ።

  • ሽም ክትረኽበሉ ኢልካ፣ ሰብ ንፉዕ ክብለካን ኢልካውን ክግበር የብሉን።

  • ምስ ኣሕዋትካን ምስ ኣዝማድካን ዘሎካ ባአሲ እተርውየሉ ኣጋጣሚውን ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ ነሕዋትካን ነዝማድካን በዚ ኣዝዩ ዓቢ ዝኾነ ኣጋጣሚ ከትጕህዮምን ከተቐይሞምን እንኮሎኻ፣ ንሓዋሩ ዘይርሳዕ ባአስን፡ ደሓን ኢልካ ዘይሕለፍ ጠባስዩ ዝኸውን።

 

ስለዚ፡ ብዙሕ ጥንቃቔ ዝመልኦ ኣገባብ ካልኣይ ቀብሪ ክፍጸም ናይ ግድን እዩ። ብመልክዕን ምስልን ኣምላኽ ዝተፈጥሩ፤ ኣምላኽ ብሓልዮቱ ወለድኻ ክኾኑሞ ከዕብዩኻ ሓላፍነት ዝሃቦም እዮም። ስለዚ እቲ ክረኽብዎ ዘለዎም ክብርን ፍቕርን፡ እንተ ብህይወቶም እንከለዉ፡ አንተ ምስ ሞቱ፡ ብግቡእን ብኣግባብን ክረኽብዎ ኣለዎም።

 

ሓደምበስ ይበቲት።

February 25, 2024

 

 


bottom of page